መቐነት

ዕቛርን ልቓሕን ማሕበር

ራእይ

ኣባላት መቐነት ማአከላይ ኣታዊ ክህልዎም ምግባርን ኣብ ማሕበረሰብዊ ኣገልግሎት ምንጣፍ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማቶም ብፍልጠቶምን ሃፍቶምን ግዚኦምን ጉልበቶምን ምፍታሕ ከማኡውን ናኣዶታትን መናእሰያትን  ምሕጋዝን ብሩህ ተስፋን ዐርሶም ዝክእሉ ምግባር።

ልኡኽ

ኣባላት ብውልቀ ወይ ብሓባር ኢኮኖሚያውን ፀገማት ምቅላል

ማእኸላይ ኣታዊ ክህልዎም ኣባል ምፍጣር/ምግባርንኣባላት ግልጋሎት ልቓሕ ብምሃብ ኢንቨስትመንት ክሳታፍ ምብርትታዕ

ኣብ ማሕበረሰብዊ ኣገልግሎት ምንጣፍ

ደረጀኦም ዝሓለው ቴክኖሎጂ በምጥቃም ኣገልግሎት ምሃብ

መናእስያትን ሰጋርን ካብ ስሱን ሕማቅ ኣተሓሳስባ ንክወጹ ምግባር

አዶታትን መናእስያትን ብኢኮኖሚ ዓርሶም ክኸእሉ ምግባር

ባህላዊ ናይ ምዕቋር (ከም ዕቁብ) ልምዲ ዘመናዊ ምግባርን ክዓቢ ክስፍሕፋሕን ምስራሕ

ኣባላት ብምምሃርን ስልጠና ብምሃብን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዓቕሞም ምጉልባት

ክብርታት

ክብርታት ማሕበርን ስነ ምግባር ኣባላትን

ሀ. ስነ-ምግባር ኣባላት ማሕበር

1. ተኣማንነት

2. ግልፅነት

3. ተሓታትነት

4. ተሳታፋይነት/ኣሳታፋይነት

5. ማሕበራዊ ሓላፍነት

6. ንካልኦት ተገዳሳይነትን ላይነትን

ለ  ክብርታት ማሕበር

1. ዓርሰ ምትሕግጋዝ

2. ውልቀ ሓላፍነትካ ብግቡእ ምውፃእ

3. ዲሞክራሲያዊ ባህልታት ምጉልባት

4. ማዕርነት

5. ፍትሓውነት

 6. ሕውነታዊ ምትእስሳር

 7. ዓርስካ ምፍላጥ

 8. ንጡፍነት

ረብሓታት

ልቓሕ

ኣብ መቐነት ዕቋርን ልቓሕን ብምዕቋር ናይ ዝተፈላላዩ ልቓሓት ብምልቓሕ ተጠቃሚ ክኾኑ ይኽእሉ

ወናኒነት

ኣብ መቐነት ዕቋርን ልቓሕን ኣባል ብምኻን ወናኒ እቲ ትኻል ይኹኑ

ትርፊ

ኣብ መቐነት ዕቋርን ልቓሕን ኣባል ብምዃን ካብቲ ናይ ድርጅት ትርፊ ተኻፈልቲ ይኹኑ

ናይ ምምኻር ግልጋሎት

ንዝሓሰብዎ  ናይ ልዋሕ ግልጋሉት ብባዕል ሞያታት ዝተደገፈ ምኽሪን ክትትልን ይግበረልኩም

ብዛዕባና


ማሕበር ምትሕግጋዝ ፋይናንስን ልቓሕን መቐነት፡ ምስ ህሉው ኩነታት ቁጠባ ሃገርና ብምትእስሳር፡ ኣብ ቁጠባዊ ጽላት ሓያል ተዋሳኢ ንምዃን ዝዓለመ፡ ኣድላዪ ፋይናንሳዊ ድሌታት ንምምላእ ከምኡ’ውን ን ፀገማት ፋይናንሳዊ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ብሓባር ምፍታሕ። እቲ ማሕበር ኣብ 2016 ዓ.ም ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ንምቛም ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 985/2009 ዓ/ም ብዕለት 8 ጥሪ 2016 ዓ/ም ዝተመስረተት ኮይኑ ኣብ ሽረ ብሕጊ ተፈላጥነት ዘለዎ ማሕበር እዩ።

ሕጋውነት